Factsheets
መእተዊ
ቓንዛን ዘምቹኡነትን ሕማቕ ጎኒ ናይ ቓጸሎ መጉዳእቲ ከምኡዉን ምሕዋይ እዮም። ብዙሓት ካብ ሕሙማትና ዘየቓርጽ ቓንዛ ድሕሪ ካብ ሆስፒታል ምዉጻእ ንነዊሕ ግዜ ጸገምም ኮይኑ ከም ዝቕጽል ይነግሩና። ዘየቓርጽ ቓንዛ ኣብ ኩሉ ገጻት ናይ ሂወትካ፣ እንተላይ እዚ ዝስዕብ ክጸሉ ይኽእል፦
ድቓስ፦ ቓንዛ ድቓስ ክወስደካ ወይ ኣብ ድቓስ ክትቕጽል ኣጸጋሚ ክገብሮ ይኽእል።
ናይ ምስራሕ ክእለትካ፦ ...