Person with bandages on their arm

መእተዊ

ቓንዛን ዘምቹኡነትን ሕማቕ ጎኒ ናይ ቓጸሎ መጉዳእቲ ከምኡዉን ምሕዋይ እዮም። ብዙሓት ካብ ሕሙማትና ዘየቓርጽ ቓንዛ ድሕሪ ካብ ሆስፒታል ምዉጻእ ንነዊሕ ግዜ ጸገምም ኮይኑ ከም ዝቕጽል ይነግሩና። ዘየቓርጽ ቓንዛ ኣብ ኩሉ ገጻት ናይ ሂወትካ፣ እንተላይ እዚ ዝስዕብ ክጸሉ ይኽእል፦

  • ድቓስ፦ ቓንዛ ድቓስ ክወስደካ ወይ ኣብ ድቓስ ክትቕጽል ኣጸጋሚ ክገብሮ ይኽእል።
  • ናይ ምስራሕ ክእለትካ፦ ቓንዛ ናይ ምዕያይካ ወይ ኣብ ስራሕ ናይ ምቱኳር ክእለትካ ክግድብ ይኽእል እዩ።
  • ናይ ምስራሕ ክእለትካ፦ ቓንዛ ናይ ምዕያይካ ወይ ኣብ ስራሕ ናይ ምቱኳር ክእለትካ ክግድብ ይኽእል እዩ።
  • ዓይነት ናይ ሂወት፦ ቓንዛ ምስ እተፍቕሮም ሰባት ግዜኻ ንኸተስተማቕር ወይ ትርጉም ዘለዎም ንጥፈታት ንኸይትገብር ክግድበካ ይኽእል እዩ።
  • ምሕዋይ፦ ቓንዛ ካብ እኹል ድቓስ፣ ምብላዕ ወይ ምዉስዋስ ምስ ዝግድበካ ኣብ ናይ ምሕዋይ መንገዲ ክኣቱ ይኽእል እዩ።

ቓንዛ ምስ ዝህልወካ፣ ንሓኪምካ ንገሮ።

ክትዝክሮም ዘለካ ነገራት፦

  • ናይ ቓጸሎ ቓንዛ እተሓላለኸ እዩ ከምኡዉን ዝበለጸ ሕክምና ንምርካብ ብኣቕራቢ ክንክን ጥዕናኻ ጥንቑቕ ምርመራ የድልዮ።
  • ናይ ቓንዛ ምቑጽጻር ዝበዝሐ ግዜ ክልቲኡ መድሃኒት ወይ መድሃኒት-ኣልቦ ሕምክናታት ከጠቓልል ዝኽእል ከምኡዉን ምስ ሓኪምካ ዝሰርሑ ጉጅለ ናይ ጥዕና ኣቕረብቲ፣ ከም ስነ-ልቦናዉያን ወይ ኣካላዊ ሓካይም ዘሳትፍ እተፈላለየ ስነ-ፍልጠታዊ ኣቀራርባ ይሓትት እዩ።
  • ክብደት ናይ ቓንዛ ናይቲ መጉዳእቲ ዓቐን ወይ ጽኑዕነት ኣይተሓሓዝን እዩ። ንኣሽቱ ቓጸሎታት ኣዝዮም ኣቐንዘዉቲ፣ ከምኡዉን ገለ ዓበይቲ ቓጸሎታት ክንዲ ኣቐንዘዉቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።

1ይ ስጉምቲ፦ ቓንዛኻ ምርዳእ

ኣዝዮም ዝተፈላለዩ ዓይነታት ናይ ቓጸሎ ቓንዛ ኣለዉ፣ ከምኡዉን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ቓንዛ ፍሉይ እዩ። ዓይነት፣ መጠን ከምኡዉን ግዜ ናይ ቓንዛኻ ምርዳእ ነቲ ዝበለጸ ሕክምና ንምርካብ ኣገዳሲ እዩ።

ኣቕራቢ ክንክን ጥዕናኻ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ቓንዛ ክሓተካ እዩ፦

  • ቕጽበታዊ ቓንዛ፦ ናይ ሓጺር እዋን ብርቱዕ ቓንዛ ዝበዝሐ ግዜ ኣብ ከም ምቕያር መሐከሚ ወይ
  • ኣካላዊ ቴራፒ ዓይነት ንጥፈት ዘጋጥም።
  • ዝተፈራረቐ ቓንዛ፦ ኣብ ምሉእ መዓልቲ ዝመጽእን ዝጠፍእን ቓንዛ፣ መብዛሕቲኡ ብሰንኪ ምሕዋይ ቑስሊ፣ ሕንዳለታት (ዝተጨበጡ ጭዋዳታት) ወይ ምቕያር ኣንፈት ዝመጽእ እዩ።
  • ዘዕርፍ ቓንዛ፦ ናይ “ድሕረ ባይታ” ቓንዛ እዉን ተባሂሉ ዝፍለጥ ዳርጋ ኩሉ ግዜ፣ ዋላ’ዉን ኣብ ዕረፍቲ ህልዉ ዝኾነ።
  • ነባሪ ቓንዛ፦ ቐጻሊ ቓንዛ ድሕሪ እቲ ቑስሊ ምሕዋዩ ን6 ኣዋርሕ ወይ ልዕሊኡ ዝጸንሕ።
  • ኒሮፓቲክ ቓንዛ፦ ቓንዛ ብሰንኪ ዕንወት ከምኡዉን/ወይ ዳግመ-ምሕዳስ (ዳግመ-ምዕባይ) ኣብ ቖርበትካ ዘለዉ መወዳእታታት ናይ መትኒ ዝኽሰት። መብዛሕቲኡ ግዜ ከም ተኳሲ፣ ኣቓጻሊ፣ ከም ዕሾኽን መርፍእን ወይ ወጋኢ ስምዒት ዘለዎ ቓንዛ ምዃኑ ይግለጽ።

በዚ ዝስዕብ መንገዲ እዉን ነቲ ቓንዛ ንምግላጽ ክትሕተት ትኽእል ኢኻ፦

  • መጠን፦እቲ ቓንዛ ማዕረ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ፣ ዝበዝሐ ግዜ ካብ 0–10 መዐቐኒ፣ 0 ከም “ቓንዛ የለን” ከምኡዉን 10 ከም “ክሕሰብ ዝኽእል ዝኸፍኣ ቓንዛ” ብምዃን ይልካዕ።
  • ንዉሓት ግዜ፦ ንኽንደይ ከም ዝጸንሕ (ንኣብነት—ሰዓታት፣ መዓልታት፣ ወዘተ.)።
  • ሰዓታት፦ መዓስ ከም ዝገድድ (ኣብ እዋን መዓልቲ፣ምሸት፣ ወይ ኣብ ግዜ ሓደ ሓደ ንጥፈታት)።
  • ዓይነት፦ እቲ ቓንዛ እንታይ ዓይነት ስሚዒት ከም ዘለዎ (ንኣብነት—ምንካስ፣ ቶግ ቶግ፣ ኣሕካኺ፣ ኣቐንዛዊ፣ ምትኳስ)።
  • ጽልዋ፦ እቲ ቓንዛ ስምዒታትካ ከምኡዉን ነገራት ናይ ምስራሕ ኣቕምኻ ብኸመይ ከም ዝጸልዎ።
  • ሕኻኽ፦ እቲ ቓንዛ ምስ ሕካኽ ዝተሓሓዝ እንተ ኾይኑ፣ እዚ እቲ ቖርበት ገና ይሓዊ ከም ዘሎ ምልክት እዩ።

ኣቕረብቲ ክንክን ጥዕናኻ ንቓንዛኻ ዝበለጸ ሕክምናታት ንኽምድቡ ዝሕግዝዎም ካልኦት ኣገደስቲ ሓበሬታ፦

  • ቕድሚ ናይ ቓጸሎ መጉዳእትኻ ምስ ቕጽበታዊ ወይ ነባሪ ቓንዛ ዘለካ ተመክሮ።
  • ተመክሮኻ ምስ ዘይምድቓስ፣ ጭንቐት፣ ወይ ዉጥረት ቕድሚ ወይ ድሕሪ ናይ ቓጸሎ መጉዳእትኻ።
  • ኣብ ሕሉፍ ዝወሰድካዮ ናይ ቓንዛ መድሃኒታት።
  • ሓደ ሓደ ነገራት ኣብ ምግባር ቓንዛኻ ማዕረ ክንደይ ከም ዝግድበካ።
  • ዝኾኑ ንጥፈታት ንቓንዛኻ ዘጋድዱ ወይ ዘማሓይሹ።2ይ ስጉምቲ፦ ምሕካም ቓንዛኻ

2ይ ስጉምቲ፦ ምሕካም ቓንዛኻ

መድሃኒታት

  • ኦፔይትስ ኣብ ሕክምና ዝወሃቡ ኣዝዮም ልሙዳት መድሃኒታት እዮም። ገለ ኣብነታት ከም ሞርፊን፣ ሃይድሮኮዶን፣ ሃይድሮሞርፎን፣ ከምኡዉን ፈንታናይል እዮም። ይኹን እምበር፣ ኦፔይትስ ንነባሪ ቓንዛ ትሑት ዉጽኢት ክህልዎም ይኽእል። ጎናዊ ሳዕቤናት፣ ከም ድርቐት ከምኡዉን ትሑት ስምዒት፣ ጸገም ክኾኑ እዉን ይኽእሉ እዮም። ኦፔይትስ ተወለፍቲ እዮም። ነዚ ምኽንያት፣ ሓኪምካ ኣድልዩ ኣብ ዝኾነሉ ናይ ምንስሓብ ምልክታት ንምዉጋድ ኦፔይትስ ቐስ ኢልካ ንምጉዳል ክሕግዘካ እዩ።
  • ናይ ሓኪም ትእዛዝ ዘየድልዮም ናይ ቓንዛ መድሃኒታት ከም ኣሰታሚኖፈን ከምኡዉን ኖንስተሮይዳል ጸረ-ረኽሲ ከኒናታት (NSAIDs፥ ኣይብሮፈን ከምኡዉን ናፕሮስይን ኣብነታት እዮም) ንነዊሕ እዋን ቓንዛ ንምህዳእ ከገልግሉ ይኽእሉ። ተወለፍቲ ኣይኮኑን። እዞም መድሃኒታት ናይ ጭዋዳ ቓንዛ ንምፍዋስ ዉጺታዉያን እዮም። ኣገልግሎት ናይ NSAIDs ንናይ ነዊሕ እዋን ምቑጽጻር ቓንዛ ሓደገኛታት ጎናዉያን-ሳዕቤናት ክፈጥር ይኽእል እዩ ከምኡዉን ኣብ ትሕቲ ምክትታል ናይ ኣቕራቢ ክንክን ጥዕናኻ ክዉሰዱ ይግባእ።
  • ጸረ-ምንፍርፋር መድሃኒታት፣ ከም ጋባፐንቲን ከምኡዉን ፐርጋባሊን፣ ኣብ ገለ ኩነታት ናይ ኒሮፓቲክ ቓንዛ ንምቑጽጻር የገልግሉ እዮም። እዞም መድሃኒታት ሰዉነት ቓንዛ ዝስምዖ መንገዲ ብምቕያር ይዓዩ።
  • ናይ ድቓስ መድሃኒታት፦ ቓንዛ ምስ ድቓስ ይጻባእ ምስ ዝህሉ፣ ንሓኪምካ ብዛዕባ ናይ ድቓስ ጽሬት ከምኡዉን ናይ ድቓስ ዉሑሳት መድሃኒታት ኣዘራርቦ።
  • ጸረ-ጭንቐት፦ ገለ ጸረ-ጭንቐት ንገለ ሰባት፣ ዋላ’ዉን እንተዘይተጨነቑ ካብ ቓንዛ መዕረፊ ይፈጥሩ እዮም። ጸረ-ጭንቐታት ምስ ድቓስ እዉን ክሕግዙ ይኽእሉ እዮም። ብዛዕባ ንነባሪ ቓንዛኻ መቖጻጸሪ ከም ሓደ መንገዲ ጸረ-ጭንቐታት ምፍታን ንኣቕራቢ ክንክን ጥዕናኻ ክትዛራረቦ ትኽእል ኢኻ።

ባህርያዊ ኣቐራርባ

መድሃኒታት ምሉእ ቓንዛ ሳሕቲ እዮም ዘጥፍኡ። ቓንዛ ዝያዳ ተቖጻጸሪ ንምግባር ናይ ባህርያዊ ኣቐራርባ እዉን ክትጥቐም ከድልየካ ይኽእል እዩ። ሓደ ክኢላ ስነ-ልቦና ኣብ ምቑጽጻር ቓንዛ ተመክሮ ዘለዎ ክሕግዙ ዝኽእሉ ካብ መድሃኒት ወጻኢ ኣቐራርባታት ንምርካብ ምሳኻ ክዓይ ይኽእል እዩ። እዚኦም ነዞም ዝስዕቡ የጠቓልሉ፦

  • ምርግጋእ፦ ሓደ ናይ ቓጸሎ መጉዳእቲ ኣብ ሰዉነት ኣብ ናይ ምሕዋይ ደረጃ ንሓያሎ ኣዋርሕ ዝቕጽል ጽዑቕ ወጥሪ የቐምጥ። እዚ ጭንቐት ቓንዛ ከጋድድ ዝኽእል ናይ ጭዋዳ ውጥረት ይፈጥረ።

ዘረጋግኡ ሜላታት ነቲ ኣብ ሰዉነትካ ዝወዓለ ጭንቐት ንምፉኻስ ክጠቕሙ ይኽእሉ።

  • ኣእምሮኣዊ (ሓሳባዊ) ሜላታትጭንቐት ንምጉዳል ሓይሊ ናይ ሓሳባትካ ይጥቐም። እዞም ሜላታት መዲቴሽን ከምኡዉን፣ ብዛዕባ ቓንዛኻ ዘለካ ኣተሓሳስባ ንኽትቕይር ዝሕግዝ ከምኡዉን እቲ ቓንዛ ጊዝያዉን ተቖጻጸርን ምዃኑ ዘረጋግጸልካ፣ “ሓሳባት ዳግመ-ህንጸት” ዝበሃል መስርሕ የጠቓልል።
  • ሶማቲካዉያን ሜላታት ምርግጋእ ንኣብ ጭዋዳታትካ ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ኣካላዊ ኣገባባት፣ ከም ዓሚቕ ምስትንፋስ፣ ዮጋ፣ ከምኡዉን ቐጻሊ ናይ ጭዋዳ ምርግጋእ ይጥቐሙ።
  • ሂፕኖሲስ ቕጽበታዊ ከምኡዉን ነባሪ ቓንዛ ኣብ ምህዳእ ሓያል መሳርሒ ከም ዝኾነ ኣርእዩ እዩ። ሓደ ክኢላ ስነ-ልቦና ኣብ ናይ መዓልታዊ ልምድኻ ንኸተእትዎ ናይ ገዛእ-ርእስኻ ሂፕኖሲስ ብኸመይ ከም እትገብር ክምህረካ ይኽእል እዩ።
  • ኣካላዊ ንጥፈት ቓንዛ ኣብ ምቑጽጻር ክሕግዝ ይኽእል። ዋካ’ኳ ኣብ ቓንዛ ከለኻ ኣካላዊ ንጥፈትካ ምዉሳኽ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ክመስል እንተኸኣለ፣ ኩሉ ቓንዛ ምልክት ናይ ጉድኣት ከምኡዉን ዕረፍቲ የድልዮ ማለት ከም ዘይኮነ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ። ዝያዳ ኣካላዊ መዳይ ንጡፋት ኣብ ዝኾናሉ፣ ዝወሓደ ቓንዛ ከም ዘለና ከምዉን ዝያዳ ክንዓዩ ከም እንኽእል መጽናዕቲ ኣርእዩ እዩ። ዶክተርካ ዉሑስ ምዃኑ ድሕሪ ምንጋሩ ምቕልጡፍ ስሩዕ ናይ ምዉስዋስ ልምዲ ክሰርዕ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ዕዮ ይዉስኽ፣ ቓንዛ የጉድል ከምኡዉን ስምዒትካን ተኣማምነትካን የበራትዕ።
  • ምሉእነት ኣእምሮ ሜዲቴሽን ናይ ቓንዛ ኣዝዩ ዉጺኢታዊ ሕክምና ኮይኑ የረኺቡ እዩ። እቲ ሜላ ንኽትምሃሮ ቐሊል እዩ። ኣብ ምዉስዋስ ምሉእነት ኣእምሮ ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ፕሮግራማት ኣብ ኢንተርነት ኣለዉ፣ ምስ ኣቕራቢ ኣእሮኣዊ ጥዕና ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ። ንምጅማር፣ እግርኻ ምሉእ ኣብ መሬት ጌርካ ኣብ ኮብ መበሊ ኮፍ ኢልካ ከምኡዉን ብዕምቖት ኣስተንፍስ። ንዉሽጢ ከተተንፍስ እንታይ ስምዒት ከም ዘለዎ ኣስተዉዕል፣ ንደገ ከተዉጽእ እንታይ ስምዒት ከም ዘለዎ ኣስተዉዕል፣ ከምኡዉን ኣብ መንጎ ንዉሽጥን ንደገን ተስተንፍሰሎም ዘለዉ ጸጥ ዝበሉ ቦታ ኣስተዉዕል። እዚ እንታይ ስምዒት ከም ዘለዎ እንዳተኮርካ ትንፋስካ ክሳብ 10 ቁጸር። ሓሳባት ናብ ኣእምሮኻ ምስ ዝመጹ፣ ቐስ ኢልካ ንጎኒ ድፍኣዮም ከምኡዉን ኣብ ምስትንፋስካ ምቱካር ቐጽል።
  • ፍጥነት ናይ ንጥፈታት፦ ናይ መዓልታዊ ንጥፈታት ከምኡዉን ስሩዕ ምንቕስቓስ ሓይልኻን ሓቦኻን ንምድልዳል ከምኡዉን ምንቕስቓሳትካ ንምዉሳኽ ኣገደስቲ እዮም። ይኹን እምበር ካብ ዓቐን ንላዕሊ ንነብስኻ ምድፋእ ቓንዛኻ ከጋድድ ይኽእል እዩ።
    • ምስ ግዜ ቐስ ኢልካ ኣካላዊ ንጥፈትካ ብምዉሳኽ ነብስኻ ኣፍጥን። ድሕሪ እታ ናይ ንጥፈት ዘኣ መዓልቲ መቺእካ ንኽትቐሳቐስ ኣዚኻ ምስ እትቖስል፣ ምናልባት ነብስኻ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ደፊእካዮ ኣለኻ።
    • ዝያዳ ምቹእነት ክሳብ ዝህልወካ ናይ ንጥፈትካ ደረጃ ከተጉድሎ ዝበለጸ እዩ። ናይ ቓጸሎ ምሕዋይ ኣቐንዛዊ ክኸዉን ስለ ዝኽእል፣ ከምኡዉን ናብ ኣቐዲሙ ዝነበረ ደረጃ ናይ ዕዮኻ ንኽትምለስ ገለ ቓንዛ ኣገዳሲ ክኸዉን ስለ ዝኽእል፣ እዚ ኣሸጋሪ ሚዛን ክኸዉን ይኽእል። ንዓኻ ብቑዕ ዝኾነ ናይ ንጥፈት መደብ ንኽትሰርዕ ምስ ናይ ኣካላዊ ከምኡዉን ናይ ስራሕ ቴራፒስትካ ብቐረባ ዕየ።

3ይ ስጉምቲ፦ ምዉጻእ ምስ ቓንዛ

ሰባት ንኣሸገርቲ ኩነታት ወይ ኣካላዊ ዘይምቹእነት ኣብ ምዉጻእ ዝተፈላለየ መንገድታት ኣለዎም። ናይ ምዉጻእ “ቕድኻ” ማዕረ ክንደይ ቓንዛ ከም ዝስምዓካ ወይ እቲ ቓንዛ ማዕረ ክንደይ ከም ዘሸግረካ ገጂፍ ጽልዋ ኣለዎ።

ኣብ ኣሸጋሪ ኩነታት፣ ነቲ ኩነታት ንኽቕይሮ፣ ነብሶም ንኽቕይሩ፣ ወይ “ተስፋ ክቖርጹ” ብምምራች ግብረመልሲ ክህቡ ይኽእሉ። እቶም ቐዳሞት ኣማራጺታት “ቕጽበታዊ” ናይ ምዉጻእ ቕዲ ይሕሰቡ ከምኡዉን ጭንቐት ኣብ ምቑጽጻር ዝለዓለ ዉጺኢታዉያን እዮም። እቲ ሳልሳይ ኣማራጺ ኣብ ምንስሓብ ወይ ጭንቐት ይመርሕ።

መጽናዕቲ እቲ ኩነታት ማዕረ ክንደይ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽርካ ምህላዉ ምዉሳን ቐጺልካ እቲ ግቡእ ዝኾነ ናይ ምዉጻእ ቕዲ ምምራጽ ዝበለጸ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። እቲ ኩነታት ካብ ቑጽጽርካ ወጻኢ ምስ ዝኸዉን፣ ብዛዕባ እትሓስቦ ነገር ምቕያር ከምኡዉን ግብረመልሲ ክትህበሉ እቲ ዝበለጸ ናይ ምዉጻእ እዩ። ሓደ ክኢላ ስነ-ልቦና እዚ ዓይነት ናይ ምዉጻእ ክእለት ንምምዕባል ምሳኻ ክሰርሕ ይኽእል እዩ።

ኣብ ትሕቲ ቑጽጽርካ ዘለዉ ናይቲ ኩነታት መልክዕ ምርኣይ እዉን ኣገዳሲ እዩ። ንኣብነት፣ ናይ ቓጸሎ መጉዳእቲ ናብ ዘየቓርጽ ቓንዛ ዘምርሐ ከም ዝወረደካ ክትቕይሮ ዘይትኽእል ሓቒ እዩ። እቲ መጉዳእቲ ዘይምግጣሙ “ምምናይ” ከምኡዉን ኣብ “እንተታት” ምጽቓጥ ቓንዛኻ ኣይሕግዙን እዮም ከምኡዉን ናብ ዝያዳ ጽግዕተኛን ጭንቐትን ከምርሕ ይኽእል። ይኹን እምበር፣ ኣብቲ ክትቖጻጸሮ እትኽእል ክፋል ናይቲ ኩነታት ምትኳርከም ናይ ገዛእ ርእስኻ ተሃድሶ፣ ኣብ ኣካላዊ ቴራፒ እተሕልፎ ግዜ፣ ናይ መዓልታዊ ዝተፈላለየ ምንቕስቕስቓሳት ምግባር፣ ከምኡዉን ብዶክተርካ ሓሳብ ዝቐረበ ናይ ቓንዛ ምቑጽጻር ሜላታት ምስዓብ- ኣዝዩ ዉጺኢታዊ ናይ ምዉጻእ ሜላ ክኸዉን ይኽእል እዩ።

ንዝያዳ ሓበሬታ

The Phoenix Society for Burn Survivors http://www.phoenix-society.org/

መወከሲታት

Wiechman Askay, S., Sharar, S., Mason, S.T, & Patterson, D. (2009) Pain, Pruritis, and Sleep Following Burn Injury. International Journal of Psychiatry. 21(6):522-30

Schneider, Jeffrey C. MD፤ Harris, Natalie L. RN፤ Shami, Amir El BA፤ Sheridan, Robert L. MD፤ Schulz, John T. III MD, PhD፤ Bilodeau, Mary-Liz RN, MS፤ Ryan, Colleen M. MD A Descriptive Review of Neuropathic-Like Pain After Burn Injury Journal of Burn Care & Research: ጁላይ/ኦጎስት 2006 - ክፋል 27 - ጉዳይ 4 - pp 524-528

Ratcliff, S.L., Brown, A., Rosenberg, L., Rosenberg, M., Robert, R.S., Cuervo L.J., Villarreal, C., Thomas, C.R., & Meyer III, W.J. ዉጺኢታዉነት ናይ ፕሮቶኮል ናይ ቓንዛ ከምኡዉን ዉጥረት ቕጽበታዊ ናይ ህጻን ቓጸሎ ሕሙም ንምሕካም። Burns 2006፤ 32፦ 554-562።

ድርሰት

ምቑጽጻር ቓንዛ ድሕሪ ናይ ቓጸሎ መጉዳእቲ ብ Shelley A.Wiechman, PhD and Shawn T. Mason, PhD ብምትሕባር ናይ University of Washington Model Systems Knowledge Translation Center ዝማዕበለ እዩ።

ምምሕያሽ ናይ ሓቒ ወረቐት

ምቑጽጻር ቓንዛ ድሕሪ ናይ ቓጸሎ መጉዳእቲ ብ Shelley A.Wiechman, PhD, Walter J. Meyer, M.D., Jeffrey C. Schneider, M.D., Karen Kowalske, M.D., Kathryn Epperson, BSN, RN. ዳግማይ ዝተገምገመን ዝተማሓየሸን እዩ። እቲ ገምጋምን ምምሕያሽን በቲ American Institutes for Research Model Systems Knowledge Translation Center (ትካል ኣመሪካ ሞዴል ስርዓት ምርምር ማእከል ትርጕም ፍልጠት) ዝተደገፈ ነበረ።

ምንጪ፦ ትሕዝቶ ናይ ጥዕና ሓበሬታና ኣብ ክርከብ ዝኽእል ምርምር መርትዖ ዝተሞርከሰ ከምኡዉን ሓባራዊ ስምምዕ ናይ ክኢላታት ሓሳባት ናይቲ ቓጸሎ መጉዳእቲ ሞዴል ስርዓት ዳይረክተራት ዝዉክል እዩ።

ዘይምስምማዕ፦ እዚ ሓበሬታ ምኽሪ ናይ ሰብ ሞያ ሕክምና ዝትክእ ዝዓለመ ኣይኮነን። ብዛዕባ ዉሱናት ናይ ሕክምና ሻቕሎታትካ ወይ ሕክምና ምስ ኣቕራቢ ክንክን ጥዕናኻ ክትማኸር ኣለካ። እዚ ሕትመት ብ Burn Model Systems ምስ University of Washington Model Systems Knowledge Translation Center ብምትሕብባር ብምወላ ካብቲ National Institute on Disability and Rehabilitation Research in the U.S. Department of Education፣ ናይ ፍቓድ ቑጽሪ፣ H133A060070 ዝፈረየ እዩ። ኣብ ትሕቲ እቲ American Institutes for Research Model Systems Knowledge Translation Center፣ ብምወላ ካብቲ National Institute on Disability፣ Independent Living፣ ከምኡዉን Rehabilitation Research (NIDILRR ናይ ፍቓድ ቑጽሪ 90DP0082) ዝተማሓየሸ እዩ። NIDILRR ኣብ ዉሽጢ Administration for Community Living (ACL፣ ምምሕዳር ንመነባብሮ ማሕበረሰብ)፣ Department of Health and Human Services (HHS፣ ክፍሊ ጥዕናን ሰብኣዊ ኣገልጉሎታትን) ማእከል እዩ። ትሕዝቶታት ናይዛ ናይ ሓቒ ወረቐት ነቲ ፖሊስ U.S. Department of Education ወይ ነቲ U.S. Department of Health and Human Services ዝዉክል ኣይኮነን፣ ከምኡዉን ብፌደረላዊ መንግስቲ ደገፍ ክትጽበ የብልካን።

Translation of this factsheet was supported in part by NIDILRR (National Institute on Disability, Independent Living, and Rehabilitation Research) (grant number 90DPKT0009)

Copyright © 2017 Model Systems Knowledge Translation Center (MSKTC). ብግቡእ ኣገባብ ብነጻ ክባዛሕን ክዝርጋሕን ይኽእል እዩ። ኣብ ክፍሊት-ዝተሞርኮሰ ነገራት ንምጥቕላል ኣቐዲሙ ፍቓድ ክርከብ ኣለዎ።