Back Scratcher

መእተዊ

ቖርበት ካብ ናይ ቓጸሎ መጉዳእቲ ኣብ ዝሓወየሉ፣ ኣሕካኺ ክኸዉን ይኸእል እዩ። ዳርጋ ኩሎም ካብ ቓጸሎታት ዝሓዉዩ ናይ ምሕካኽ ጸገማት-ብፍላይ ኣብ ወይ ከባቢ እቲ ቓጸሎ፣ ልጋቦ ቖርበት፣ ወይ ናይ ሕክምናዊ መጸዉዒ ናይ ሕኻኽ “ፕሩራይትስ” (proo-ri´tus) ይበሃል።

ምሕካኽ ልሙድ ክፋል ናይ ምሕዋይ እዩ። እዚ ዝኽሰተሉ ምኽንያት ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ከምኡዉን ድኹም ርድኢት ዘለዎም እዮም። ናይ ምሕካኽ መጠን (ማዕረ ክንደይ ክፉእ ምዃኑ) ከምኡዉን ምድግጋም (ማዕረ ክንደይ ይደጋገም) ምስ ናይ ቓጸሎኻ ዓቐን ወይ ዕምቖት ግድን ዝተሓሐዝ ኣይኮነን፣ ይኹን እምበር ሕካኽ ነቲ ዝሓወየ ንኽትብሕንጭር ከምኡዉን ተነቓፊ ቖርበት ንኽትከፍትን ክገብረካ ይኽእል።

ሕካኽ ናይ መዓልታዊ ንጥፈታትካ፣ እንተላይ እዚ ዝስዕብ ምዕያይ ክዓግት ይኽእል እዩ፦

  • ድቓስ፦ ሕካኻ ኣብ ግዜ ለይቲ ክገድድ ይረአ፣ እዚ ድማ ድቓስ ንምድቓስ ከምኡዉን ደቒስካ ንኽትቕጽል ኣሸጋሪ ይገብሮ።
  • ስራሕ ከምኡዉን ቤት-ትምህርቲ፦ ዘየቓርጽ ሕካኽ ነዞም ንጥፈታት ኣብ እተካይደሉ ግዜ ኣሸጋሪ ይገብሮ።
  • ኣካላዊ ንጥፈታት፦ ምዉስዋስ፣ ስፖርታት፣ ከምኡዉን ምጽዋት (ንቖልዑ) ሕካኽ ክዉስኽ ይኽእል።

ሕካኽ ከጨንቐካ ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ ንሕካኽ ከጋድዶ ይኽእል። ጽቡቕ ዕድል ኮይኑ፣ ሕካኽ ምስ ግዜ ይጎድል እዩ። ንግዚኡ፣ ሕካኽ ኣብ ምጉዳል ዝሕግዙ ሕክምናታት ኣለዉ። ንዓኻ ዝበለጸ ሕክምና ንኽትረክብ፣ ሕካኽካ ማዕረ ክንደይ ክፉእ ከም ዘሎ ከምኡዉን ሂወትካ ማዕረ ክንደይ የጸልዎ ከም ዘሎ ምስ ጉጅለ ክንክን ጥዕናኻ ተዘራረብ።

ሕካኽካ ክትገልጸሉ እትኽእል መንገድታት

ጉጅለ ክንክን ጥዕናኻ ነቲ መጠን ከምኡዉን ጽልዋ ናይ ሕካኽካ ክትገልጾ ክሓተካ ይኽእል እዩ፦

  • መጠን፣ ወይ እቲ ሕካኽ ማዕረ ክንደይ ተሪር ምዃኑ ንምግላጽ፣ መብዛሕቲኡ ግዜ እኹላት ሰባት ነቲ ሕካኽ ካብ 0 ክሳብ 10 ዓቐን ክህብዎ፣ 0 “ሕኻኽ የለን” ከምኡዉን 10 “ዝኸፍአ ክትግምቶ ትኽእል ሕካኽ” ኮይኑ ክገልጹ ይሕተቱ። ቖልዑ ዝበዝሐ ግዜ ሕካኾም ንምግላጽ ነቲ ናይ ቓጸሎ ሰብኣይ መዐቐኒ ክጥቐሙ ይሕተቱ (ተመልከት

ሕካኽ ብኸመይ ሂወትካ ከም ዝጸሉ ንምግላጽ፣ ክንክን ጉጅለ ጥዕናኻ ነቲ 5-D መዐቐኒ ሕካኽ ክጥቐሙ ይኽእሉ። እዚ ብዛዕባ እዚ ዝስዕብ ዝሓቱኻ ሕቶታት እዮም፦

  1. ግዜ (ቑጽሪ ሰዓታት ኣብ መዓልቲ)
  2. ደረጃ (መጠን)
  3. ኣንፈት (ይመሓየሽ ወይ ይገድድ ምህላዉ)
  4. ስንክልና (ጽልዋ ኣብ ንጥፈታት)
  5. ዝርግሐ (ቦታ ኣብ ሰዉነትካ)

ምስ ኣቕረብቲ ክንክን ጥዕናኻ ዝርርብ ንምብጋስ ኣብ 5-D መዐቐኒ ሕካኽ ዘለዉ ሕቶታት እዉን ክትጠቐም ትኽእል ኢኻ።

ሕክምና

ዝኾነ ሕክምና ነቲ ሕካኽ ምሉእ ንምሉእ ደዉ ኣየብሎን እዩ፣ ይኹን እምበር ብዙሓት ግን ክሕግዙ ይኽእሉ እዮም።

ቶፒካል (ናይ ልዕሊ ቖርበት) ሕክምናታት

ክሬማትን ሊሽናትን

  • መጥለልቲ ናይ ቖርበት ጠልን ጥዛአን ንምቑጽጻር ይሕግዝ። ሕካኽ ምስ ንቑጽ ቖርበት ስለ ዝዉስኽ፣ ቖርበትካ ምስ ዝነቕጽ ሕካኽ ንምጉዳል ክሕግዙ ይኽእሉ። ጨና-ዘይብሎም ወይ ካብ መኣዛ-ነጻ ዝኾኑ መጥለልቲ ተጠቐም። መጥለልቲ ቐጻሊ ምልካይ ሓገዚ ክኸዉን ይኽእል እዩ።
  • ዳይፈብሃይድረማይን (ዳይ-ፈን-ሃይ-ድረማይን ተባሂሉ ዝድመጽ፤ ብኣሕጽሮ DPH ወይ DHM ዝጽሓፈ) ክሬም ሂስታማይን ይዓግት ከምኡዉን ሓደ ሓደ ግዜ ሓጋዚ እዩ። ሂስታማይን ኣብ ሰዉነትና ዝርከብ ናይ ረኽሲ ግብረ-መልሲ ዘልዕል ብባህሪ ዝርከብ ዉህደት እዩ። ብዘይ ናይ ሓኪም ትእዛዝ ክርከብ ይኽእል ከምኡዉን ናይ መድሃኒት ትእዛዝ ኣየድልዮን እዩ።
  • ክሬም ዶዘፒን (ንኣብነት ዞናሎን ወይ ፕሩዶክሲን) ምስ ገለ ዓወት ኣገልጊሉ እዩ። ኣብ ቖርበት ዘለዉ ናይ ሂስታሚን ተቐበልቲ ብምዕጻዉ ሕካኽ የጉድል። ክሬማት ዶዘፒን ብንእሽተይ ዓቐን ክጥቐም ይኽእል ከምኡዉን ክእዘዝ ኣለዎ።
  • ክሬም ካፕሳሲን (ካፕ-ሳ-ሲን ዝድመጽ) (ንኣብነት፣ ካፕዛሲን፣ 0.025%) ግዚያዊ ዕረፍቲ ክህብ ይኽእል። ነዚ ክሬም መጀመርታ ኣብ ንእሽተይ ክፋል ናይ ቖርበትካ ክትፍትኖ ኣገዳሲ እዩ ምኽንያቱ ብፍላይ ኣብ ናይ መጀመርታ ምጥቓም፣ ናይ መንከስቲ ወይ ምንዳድ ስምዒት ክፈጥር ይኽእል እዩ። ክሬም ካፕሳሲን ናብ ኣዒንትኻን ናብ ካልኦት ልፍጫዊ ሽፋን ወይ ኣብ ዝተቐደ ቖርበት ምትንካፍ ኣወግድ። ድሕሪ ምልካይካ (ኣእዳዉካ ምስቲ ዝሕከም ክፋል ክሳብ ዝኾነ) ኣእዳዉካ ብሳምናን ማይን ተሓጸብ። ናብ ኣእዳዉካ ትለኪ ምስ ትህሉ፣ ኣእዳዉካ ቕድሚ ምሕጻብካ 30 ደቓይቕ ተጸበ።

ምሕጻብ ሰዉነት

  • ምሕጻብ ሰዉነት ኣብ ሕካኽ ክሕግዝ ወይ ከይሕግዝ ይኽእል እዩ። ልቡጥ ማይ ዝበለጸ ከምኡዉን እንተ ወሓደ ቖርበት ንክነቕጽ ይፍትን እዩ።
  • መወሰኽታ መሕጸቢ ሰዉነት ከም ፍረ ኣውልዕ፣ ጸባ ፓዉደር፣ ወይ ናይ ህጻን ዘይቲ ሓገዝቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።
  • ቖርበት ብማይ ምዝሓል ጊዚያዊ ዕረፍቲ ክህብ ይኽእል እዩ።

ናይ ኣፍ መድሃኒታት

  • ጸረ-ሂስታማይንነቲ ሕካኽ ዘላዕል፣ ሂስታሚን ብምግታእ ይሰርሑ። ዘገልግሉ ልሙዳት ጸረ-ሂስታማይን ዳይፈብሃይድረማይን (ንኣብነት ቤናድሪል)፣ ሰትሪዚን፣ ሎራታዲን፣ ከምኡዉን ሃይድሮዚሲን የጠቓልል። ብዘይ ትእዛዝ፣ ከም ከኒናታት ንእኹላት ሰባት ወይ ኤሊክሲዘራት ወይ ፈሰስቲ ንቖልዑ ክግዝኡ ይኽእሉ። ዓቐናት (ክንደይ ክትወስድ ከም ዘለካ) ይፈላለ እዩ፣ ስለዚ ዝኾነ ካብ ትእዛዝ ሓኪም ወጻኢ ዝዉሰዱ ቕድሚ ምዉሳድካ ምስ ኣቕራቢ ክንክን ጥዕናኻ ተዘራረብ።
  • ጋባፐንቲንን (ጋባ-ፐን-ቲን ዝድመጽ) ክእዘዝ ዘለዎ ብኣፍ ዝዉሰድ መድሃኒት እዩ። ሕካኽ ንምጉዳል ክሕግዝ ኣብ ማእከል-ኣብ ሓንጎልካ-ይዓይ ከምኡዉን ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ምርምር መጽናዕትታት ጽቡቕ ዉጽኢታት ኣርእዩ እዩ።
  • ናይ መደቐሲ መድሃኒታትድቓስ ምስኣን (ኢንሶሚንያ) ንምፍዋስ ይጠቕሙ። መድሃኒታት ሓደ ሓደ ግዜ ክትድቕስን ምድቓስ ክትቕጽልን ሓገዝቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ሕካኽ ክትድቕስ ኣጸጋሚ ምስ ዝገብሮ፣ ብዛዕባ ክሕግዙ ዝኽእሉ ናይ ዉሑስ ድቓስ መድሃኒታት ምስ ኣቕራቢ ክንክን ጥዕናኻ ተዘራረብ።
  • ዝኾነ መድሃኒታት ቕድሚ ምዉሳድካ፣ ብዛዕባ ጎናዊ ሳዕቤናት ምስ ዶክተርካ ተዘራረብ።
  • ካልኦት መድሃኒታት ድሕሪ ቓጸሎ ዝኽሰት ሕካኽ ኣብ ምጉዳል ሓገዝቲ ክኾኑ ይኽእሉ- ብዛዕባ ኣማራጺታትካ ምስ ኣቕራቢ ክንክን ጥዕናኻ ተዘራረብ። ገለ መድሃኒታት ሕካኽ ከምጽኡ ስለ ዝኽእሉ ኩሎም መድሃኒታትካ ንኽግምግም ንዶክተርካ ወይ ኣቕራቢ ክንክን ጥዕናኻ ሕተቶ።

ካልኦት ምኽርታት

  • ብዓቐን ዝስርሑ ናይ ጽቕጢ ልብስታት ከምኡዉን ካልኦት ደገፍቲ መሐከሚታት (ንኣብነት ቲቢግሪፕ ኢላስቲካዊ ትቡላር ባንዴጅ (Tubigrip Elastic Tubular Bandage) ወይ ጥቡቓት ዝኽደኑ ናይ ስፖርት ዓለባታት ኣብቲ ናይ ፈለማ ኣዋርሕ ክሳብ ዓመታት ድሕሪ ናይ ቓጸሎ መጉዳእቲ ክሕግዙ ይኽእሉ።
  • ናይ ቖርበት ምድራዝ ብሎሽን ከምኡዉን/ወይ ኣብ ዝሓወዩ ከባቢታት ብተሪር መጽቐጢ ምትሓዝ ሕካኽ ንምጉዳል ክሕግዝ ይኽእል። ሕካኽካ ኣጸጋሚ ምዃን ምስ ዝቕጽል ምስ ኣቕራቢ ክንክን ጥዕናኻ ከም እትዘራረብ ኣረጋግጽ። ኣብ ገለ ጉዳያት፣ ካልኦት መድሃኒታት ከም መርፍእ ስትሮይድ፣ ሌዘር ሕክምና ወይ መጥባሕቲ ሓገዝቲ ክኾኑ ይኽእሉ።
  • ኣቓልቦ ዝስሕቡ ከም ተሌቭጅን፣ ጸወታ፣ ከምኡዉን ትሑት ወይ ልኡም ምዉስዋስ ርእስኻ ካብቲ ምሕካክ ንኽርሕቕ ክሕግዝ ይኽእል።
  • ሓጸርቲ ኣጽፋር፣ ብፍላይ ነቶም ደቒሶም ክሓኩ ዝኽእሉ ቖልዑ፣ ናብ ተነቓፊ ቖርበት ዘሎ መጉዳእቲ ክንኪ ይኽእል።
  • ጨና ዘይብሉ ናይ ክዳዉንቲ መሕጸቢ ተጠቐም።
  • ጨና-ዘይብሎም ወይ ካብ መኣዛ-ነጻ ዝኾኑ ሎሽናት (እንተላይ ናይ ጸሓይ ክሬም) ተጠቐም
  • ግቡእ ክዳን ብምኽዳን (ንኣብነት፣ ቖቢዕ ከምኡዉን ነዊሕ እጅገ) ከምኡዉን ናይ ጸሓይ ክሬም ብምጥቓም ቖርበትካ ካብ ጸሓይ ተኸላኸል።

ንዝያዳ ሓበሬታ

  • The Phoenix Society for Burn Survivors (እቲ ናይ ፎኔክስ ማሕበረሰብ ንካብ ቓጸሎ ዝደሓኑ) http://www.phoenix-society.org/
  • American Burn Association (ማሕበር ቓጸሎ ኣሜሪካ) http://www.ameriburn.org/
  • ብተወሳኺ፣ ብዛዕባ ናይ ከባብያዊ ደገፍ ጉጅለታት ከምኡዉን ካልኦት ምንጭታት ንኣቕረብቲ ክንክን ጥዕናኻ ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ።

መወከሲታት

Carrougher GJ, Martinez EM, McMullen KS et al. ፕሩሪተስ ኣብ ዓበይቲ ካብ ቓጸሎ ዝደሓኑ፦ ድሕሪ-ቓጸሎ ዝርገሐ ከምኡዉን ምስ ልዑል መጠን ዝተሓሓዝ ናይ ሓደጋ ረቓሕታት። J Burn Care Res. 2013;34(1):94−101.

Elman S, Hynan LS, Gabriel V, Mayo MJ. እቲ 5-D መዐቐኒ ሕካኽ፤ ሓድሽ መዐቐኒ ፕሩሪተስ። Br J Dermatol. 2010;162(3):587−93.

Morris V, Murphy LM, Rosenberg M, Rosenberg L, Holzer CE 3rd, Meyer WJ 3rd. መዐቐኒ ገምጋም ሕካኽ ንህጻናት ካብ ቓጸሎ ዝደሓኑ። J Burn Care Res. 2012; 33(3):419−24.

Schneider JC, Nadler DL, Herndon DN, Kowalske K, Matthews K, Wiechman SA, Carrougher GJ, Gibran NS, Meyer WJ, Sheridan RL, Ryan CM. ፕሩሪተስ ኣብ ህጻናት ካብ ቓጸሎ ዝደሓኑ፦ ነቲ ናይ ክልኒካዊ መጽናዕቲ ዝገልጽ። J Burn Care Res. 2015 Jan-Feb;36(1):151-8.

ድርሰት

ኣሕካኺ ቖርበት ድሕሪ ናይ ቓጸሎ መጉዳእቲ ብ Gretchen J. Carrougher, R.N., M.N., ከምኡዉን Walter J. Meyer III, M.D. ብምትሕብባር ምስቲ ዘመናዊ ሞዴል ስርዓት ፍልጠት ትርጉም ማእከል ዝማዕበለ እዩ።

ዝማዕበለ ናይ ሓቒ ወረቐት

ኣሕካኺ ቖርበት ድሕሪ ናይ ቓጸሎ መጉዳእቲ ብ Gretchen Carrougher MN, RN, Northwest Regional Burn Model System; Karen Kowalske, MD, University of Texas Southwestern; Jeffrey C. Schneider, MD, Colleen M. Ryan, MD, and Barbara A. Gilchrest, MD, Boston-Harvard Burn Injury Model System ዝተገምገመን ዝተማሓየሸን እዩ። እቲ ገምጋምን ምምሕያሽን በቲ American Institutes for Research Model Systems Knowledge Translation Center (ትካል ኣመሪካ ሞዴል ስርዓት ምርምር ማእከል ትርጕም ፍልጠት) ዝተደገፈ እዩ።

ምንጪ፦ ትሕዝቶ ናይ ጥዕና ሓበሬታና ኣብ ክርከብ ዝኽእል ምርምር መርትዖ ዝተሞርከሰ ከምኡዉን ሓባራዊ ስምምዕ ናይ ክኢላታት ሓሳባት ናይቲ ቓጸሎ መጉዳእቲ ሞዴል ስርዓት ዳይረክተራት ዝዉክል እዩ።

ዘይምስምማዕ፦ እዚ ሓበሬታ ምኽሪ ናይ ሰብ ሞያ ሕክምና ዝትክእ ዝዓለመ ኣይኮነን። ብዛዕባ ዉሱናት ናይ ሕክምና ሻቕሎታትካ ወይ ሕክምና ምስ ኣቕራቢ ክንክን ጥዕናኻ ክትማኸር ኣለካ። እዚ ሕትመት ብ Burn Model Systems ምስ University of Washington Model Systems Knowledge Translation Center ብምትሕብባር ብምወላ ካብቲ National Institute on Disability and Rehabilitation Research in the U.S. Department of Education, ናይ ፍቓድ ቑጽሪ፣ H133A060070 ዝፈረየ እዩ። ኣብ ትሕቲ እቲ American Institutes for Research Model Systems Knowledge Translation Center፣ ብምወላ ካብቲ National Institute on Disability፣ Independent Living፣ ከምዉን Rehabilitation Research (NIDILRR ናይ ፍቓድ ቑጽሪ 90DP0082) ዝተማሓየሸ እዩ። NIDILRR ኣብ ዉሽጢ Administration for Community Living (ምምሕዳር ንመነባብሮ ማሕበረሰብ) (ACL)፣ Department of Health and Human Services (ክፍሊ ጥዕናን ሰብኣዊ ኣገልጉሎታትን) (HHS) ማእከል እዩ። ትሕዝቶታት ናይዛ ናይ ሓቒ ወረቐት ነቲ ፖሊስ U.S. Department of Education ወይ ነቲ U.S. Department of Health and Human Services ዝዉክል ኣይኮነን፣ ከምኡዉን ብፌደረላዊ መንግስቲ ደገፍ ክትጽበ የብልካን።

Translation of this factsheet was supported in part by NIDILRR (National Institute on Disability, Independent Living, and Rehabilitation Research) (grant number 90DPKT0009).

Copyright © 2016 Model Systems Knowledge Translation Center (MSKTC). ብግቡእ ኣገባብ ብነጻ ክባዛሕን ክዝርጋሕን ይኽእል እዩ። ኣብ ክፍሊት-ዝተሞርኮሰ ነገራት ንምጥቕላል ኣቐዲሙ ፍቓድ ክርከብ ኣለዎ።